Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በዓል ዳሜራን መስቀልን ናህሪ ዋጋን ስግኣት ፀፅታን ብንቕሓት ምክትታል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓድጊ ዓለም ዝኾነ ኣብ በዓል ዳሜራን መስቀልን እንትኽበር ማሕበረ ሰብ ንግዲ ናህሪ ዋጋን ክቆፃፀርን ስግኣት ፀፅታ ብንቕሓት ክከትታልን ከምዝግባእ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣገንዚቦም።

በዓል ዳሜራን መስቀልን እዚ ዓመት ሰላማዊ ኮይኑ ንኽኽበር ማሕበረሰብ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣብ ዝዋፀአሉ ጉዳይ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ።

ኣይተ ጃንጥራር ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ሓድጊ ዓለም ዝኾነ በዓል መስቀል እንትኽበር ማሕበረሰብ ንግዲ ናህሪ ዋጋን ኣብ ክቆፃፀርን ስግኣት ፀፅታን ብንቕሓት ኣብ ምክትታልን ብንቕሓት ክሳተፍ ይግባእ፡፡

ኣብ ግምባር ስዕረት ዘጋጠሞም ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ስዕረቶም ንምክሕሓስ፣ ናይ ኣደባባይ በዓላት ክህውኹ ዝኽእሉሉ መገዲ ከይህሉ ማሕበረሰብ ንግዲ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚቦም፡፡

ሓላፊ ቢሮ እቶት ኣዲ ኣበባ ሙሉጌታ ተፈራ ብግደኦም÷ ደላዪ ሰላም ዝኾነ ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ መላእ ዓለም በዓል ዝኾነ በዓል መስቀል ብሰላም ንኽዛዘም ናይ ባዕሉ ግደ ንኽፃወት ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.