Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በዓላት ዕግርግር ብምውላዕ ናብ ሃገራዎ ቅልውላው ንክሰጋገር ሽርሒ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 166 ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባን ቢሸፍቱን ኣብ ዝተገበሩ በዓላት ዳመራን ኢሬቻን ዕግርግር ብምውላዕ ናብ ሃገራዎ ቅልውላው ንክሰጋገር ሽርሒ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 166 ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን  ከምዝበሎ፥ እቶም ግብረ ራዕዲታት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣደባባይ ኣብ ዝኽበሩ በዓላት ዕግርግር ንምፍጣር ዝሓዝዎ ሽርሒ እቲ ግብረ ሓይሊ ብዝገበሮ ምድላው እቶም በዓላት ሰላማዊ ኮይኖም ከምዝተዛዘሙ ሓቢሩ።

166 ኣባላት ህወሓት፣ ሸኔ፣ ኣይ ኤስን ዘይስሩዕ ኣወዳድባን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

ብፍላይ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተግባር ራዕዲ ዝፍፅሙ ዋህዮታት እንትውድብን ኣባ ቶርቤ ዝተብሃለ ቀታሊ ጉጅለ ንምውፋር ፈተነ እንትገብርን ከምዝፀንሐ ሓቢሩ።

ነዚ ናይ ጥፍኣት ልኡኽ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምውዳድን ኣቕርቦት ሎጂስቲክስ ብምምችቻውን መድላው እንትገብር ከምዝፀንሐ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ልዕሊ እቶም ጉጅለታትን ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባትን ብዝገብሮ ዝነበረ ሚስጢራዊ ክትትል እቶም በዓላት ብሰላም ንምዝዛም ከምዝተኽኣለ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብቶም ኣባላት ግብረ ራዕዲ ናይ ሓባርን ውልቀን ኣፅዋራት፣ ፈንጂታት፣ ቡንባን ብዙሓት ተተኮስቲ ጠያይትን ከምዝተትሓዙ ኣብሪሁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ግብረ ራዕዲ ኣይ ኤስ ብሓባር ከለምዝሰርሑን ካብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልኡኽ በምቕባል እንትንቀሳቐሱ ከምዝነበሩን ዘርእይ መረዳእታ ሰነድ ከምዝተረኸቦም ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.