Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቃላይ ጫሞ ምስ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ተተሓሒዙ ክሳብ ሕዚ 12 ኣስከሬን ተረኺቡ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ኣቡሎ ኣርፋጮ ናብ ከተማ ኣርባምንጭ 16 ሰባትን ሙዝን ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት ጃልባ ኣብ ቃላይ ጫሞ ከምዝጠሓለት ይፍለጥ፡፡

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ብዝተወገነ ስራሕቲ መድሕን ህይወት ትማሊ 2 ሎሚ መዓልቲ ድማ 10 ኣስከሬን ከምዝተረኸበ ኣዛዚ መምርሒ ፖሊስ ዘፖባ ጋሞ ኢንስፔክተር ደበበ ኦንቶ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፆም፡፡

ብካሊእ መዳይ ዓርቢ 3 ሰባት ብህይወት ከምዝተረፉ ገሊፆም፡፡

ብሓፈሻ ኣብታ ጃልባ ካብ ሞንጎ ዝተሳፈሩ ክሳብ ሕዚ ሓደ ሰብ ዘለዎ ኩነታት ስለዘይተፈለጠ ኣለሻ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.