Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፃሊ ምርጫ ዝደለኽምዎ ምረፁ ግን ሰላም ኣቐድሙ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀፃሊ ምርጫ ዝደለኽምዎ ምረፁ ግን ሰላም ኣቐድሙ ኪእብሉ ተዛሪቦም።

እቶመ ቀዳማይ ሚትስትር ነዚ ዝበሉ ኣብክልል ኣምሓራ ብልዕሊ 5 ቢሊየን ብር ዝህነፅ ኮንክሪት መገዲ ኣስፋልት ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ኢዩ።

ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ምርጫ  ሸቶና ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ዝገብር ምርጫ ምክያድ ኢዩ ኢሎም።

ከይዱ ድማ ሰለማዊ ዝኾነ ንኹሉ ብማዕረ ዕድል ብምፍጣር ሓሳብ ብነፃነት ዝንሸራሸረሉ ክኸውን ምግባር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ምርጫ ዝደለኽምዎ ምረፁ ግን ሰላም ኣቐድሙ፣ ማዕረ መድረኽ ከምዝተፈጠረ እውን ኣረጋግፁ ክብሉ ገሊፆም።

እዚ እንትኸውን ኢትዮጵያ ሰዓሪት ኢያ ድማ ኢሎም።

ብምርጫ ኢንተተሳዒርን ንሰዓሪ ሓቑይፍና ስልጣን ብምርካብ ሓዱሽ ታሪክ ክንሰርሕ ኢና፤ እንተሸኒፍና ድማ ኢትዮጳያ ናብ ዝግብኣ ምዕባለ ንምውፃእ ለይቲን መዓልቲን ክንሰርሕ ኢና አሎም።
ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.