Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀጠና ግድብ ህዳሰ ዝተዋፈረ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ቁፃራት ጁንታ እናዳህሰሰ ይድምስስ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣  6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀጠና ግድብ ህዳሰ ዝተዋፈረ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቁፃራት ጁንታ ህሓት እናዳህሰሰ ይድምስስ ከምዘሎ ዋና አዛዚ መበል 22 ክፍለጦርን ኣተሓባባሪ ግብረ ሓይሊ ዝተዋደደ ኮማንድ ፖስት መተከልን ኮሎኔል ሰይፈ አንጌ ኣፍሊጦም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ድቃስ ዝኸልኦም ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ቁፃራት ጉጅለ ኣሸባረ ህወሓትን ናይቲ ከበቢ ሰላም ንምህዋኽን ከይዲ ህንፀት ንምትዕንቓፍን ካብ ምሕሳብ ተቖጢቦም ከምዘይፈልጡ እቶም ዋና ኣዛዚ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሰራዊትን ነቲ ኣሸባረን ተለኣኣኽቱን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ቐጠና ክፍጠር ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ውሽጣውን ግዳማውን ተፃብኦ ብፅንዓትን ብብቕዓትን ንምምካት ዘኽእል ሓይሊ ሰብን ወታደራዊ ዕጥቅን ምድላው ከምዘለዎ ተዘሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.