ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 180 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ተኻኢሉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 180 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ዝተኻየደ ምትእትታው መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ናይ መንግስቲ ኣታዊ ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም።
ናይዚ መርኣዪ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም 180 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
እዚ ምስ ሕሉፍ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ዝሓሸ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም 109 ቢሊየን ብር ጥራሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ይኹን እንበር ኢትዮጵያ ብመንፅር ሓፈሻዊ ዓብዪ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ እንትረአ ሐዚ እውን ትሑት ኣታዊ እትእክብ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ እዚ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ከምዝግበር ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ በዝተፈላለዩ መገዲታት ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ 3 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ከምዝኣተወ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ ኣብቶም ኣዋርሕ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ6 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ገሊፆም።
ብሓፈሻ ብመመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ 27 ቢሊየን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ገሊፆም።