Fana: At a Speed of Life!

   ኣብ ቀበሌ ጭና ተክለሃይማኖት ብህወሓት ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ዜጋታት ቁፅሮም ልዕሊ 200 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ቀበሌ ጭና  ተክለሃይማኖት ብህወሓት ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ዜጋታት ቁፅሮም ልዕሊ 200 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ነበርቲ እቲ ቀበሌ ዝኾኑ መሰኻኽር ዓይኒ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ 29 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ብጅምላ ካብ ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ዜጋታት ውሽጢ 193 ዝኾኑ ኣብ ጭና ተክለሃይማኖት ቤተክርስቲያን ተቐቢሮም።

ልዕሊ 20 ዝኾኑ ድማ ኣብ ዲያ ጊዮርጊስ ከምዝተቐበሩ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ተመልኪቱ።

ኣብ ጭና ቀበሌ ኣጎሽማዶ፣ ድጋንሳ፣ ባንኮራ፣ ጭንጫዬን ዲያን ዝተብሃሉ 5 ጎጣት ንፁሃን ብጅምላ ዝተጨፍጨፍሉ ኢዩ።

ሐዚ እውን ተወሳኺ ኣስከሬን ይርከብ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ዝበፅሑሉ ዘይተፈለጠ ከምዘለዉ እውን እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ፣ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ህፃናት፣ አካል ጉድኣት ብኣሸባሪ ህወሓት ብግፍዒ ከምዝተጨፍጨፉ ተሓቢሩ።

ሓደ ሙሉእ ቤተሰብ በቲ ጉጅለ ከምዝተጨፍጨፉ ተሓቢሩ።

ልዕሊ 15 ሺሕ ነበርቲ እቲ ቀበሌ ተፈናቒሎም ተባሂሉ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.