ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ስግኣታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሃገራት እቲ ቀጣና ብምትሕብባር ክሰርሓ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ስግኣታት ግብረ ራዕዲን ዶብ ተሻገርቲ ዝተወደቡ ገበናተን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ሃገራት እቲ ቀጣና ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያን ፣ ኬኒያ፣ ሶማሊያ ፣ ጅቡቲን ሲሼልስን ዘካተተን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት መረዳእታን ድሕንነትን እተን ሃገራት ዘሳተፈን ጉባኤ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ምክትል ዳሬክተር ጀኔራል ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ታዜር ገ/እግዚአብሄር፥ ምብራቕ ኣፍሪካ ንግብረ ራዕዲታት ምቹእ ዝኾነ ቀጣና ጥራሕ ዘይኮነስ ግብረ ራዕዲ ሐዚ እውን ስግኣት ፀፅታ እቲ ቀጣና ኮይኑ ዝቕፅለሉ ዘሎ ኢዩ ኢሎም።
ብፍላይ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብን ኣይ ኤስን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ መርበቦም ብምዝርጋሕ እኩይ ተግባሮም ንምፍፃም ለይቲን ቀትሪን ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
እቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ብፋይናንስ፣ ምልመላ ሓይሊ ሰብ፣ ስልጠናን ናውቲን ብምድጋፍ ሽርሖም ሱር ንክሰድድ ዘኽእል ሓያሎ ፃዕሪታት ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊፁም።
እቲ ቀጣና መተሓላለፊ ዝውውር ደቂ ሰባት፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣፅዋርን ዶብ ተሳጋሪ ገበናትን ብስፍሓት ዝረአይሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ነቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ እኩይ ተግባሮም ንክፍፅሙ ምቹእ ኩነታት ከመዝፈጠረ ሓቢሮም።
ምስ ግብረ ራዕዲታት ዝግበር ቃልሲ ብናይ ሓንቲ ሃገር ፃዕሪ ጥራሕ ክዕወት ስለዘይኽእል ኣብ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ እተን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብሔራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ገብረ ራዕዲታት ኣብ ምክልኻል ምስ ካልኦት ናይ ወፃኢ ትካላት መረዳእታን ድሕንነትን ብምዃን ኣብ ዝገበሮ ስራሕቲ መትሕብባር 165 ኣባላት ኣልሸባብ፣ 121 ኣባላት ኣይ ኤስ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣዘኻኺሮም።
ስለዝኾነ ስግኣታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻል፥ ክልቲኣዊ፣ ክፍለ ኣህጉራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ምትሕብባት ትካላትን ምውዳድን ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ብሔራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።