Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሽረ ከተማን ከባቢኡን መንግስቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ-ነበርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሽረ ከተማን ከባቢኡን መንግስቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ኣብታ ከተማን ዙርያኣን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዝግበር ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጠረ ፀገም ዘቃልል ምዃኑ ነበርቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ብዝተበፅሐ ስምምዕነት መሰረት ትፅቢት ዝግበረሉ ይዋፃእ ኣሎ ዝበሉ እቶም ነበርቲ፥ ዝተጀመረ ተግባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

ክሳብ ሐዚ 151 ሰብኣዊ ኣቕርቦት ዝፀዓኑ ተሽከርከርቲ ናብቲ ከባቢ ኣቲዮም እቲ ረድኤት የከፋፍሉ ምዃኖም ተገሊፁ።

እቶም ነበርቲ እቲ ናይ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ናይ ብዙሕ ዜጋታት ህይወት ዘድሕን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ናት ተራድኦ ትካላት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት የቕርቡ ከምዘለዉ ኢዩ ተዘሪቡ።

ብኣፈወርቅ እያዩን ለይኩን ዓለምን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.