Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ ፅጌ ካሕሳይ ብጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ

አዲስ አበባ፣ መስከረም 29፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ 2024 ፅጌ ካሕሳይ ብጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ።

ሎማዓንቲ ረቡዕ ብደቂ ኣንስትዮ ጁንየር ውድድር ውልቀ ክሮኖ ሜትር ብምትእንጋድ ዝጀመረ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ 2024÷ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ብምስታፍ ብተደጋጋሚ ዓወት ክተመዝግብ ዝፀንሐት ፅጌ ካሕሳይ ሐዚ ድማ ኣብ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ብምዝዛም ዝነኣድ ውፅኢት ኣመዝጊባ።

ኣብቲ ውድድር ቤትኤል ኤፍሬም ካብ ኤርትራ፣ ቤንበላ ኣሕመድ ካብ ግብፂ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.