ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብሜዳሊያ 3ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ዝርከብ መበል 19 ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት ብዝተገበሩ ውድድራት ኢትዮጵያ ብ4 ሜዳሊያታት ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ክሳብ ሕዚ ብዝተገበሩ ውድድራት÷ ኣሜሪካ ብ3 ወርቂ፣ 2 ነሓስን ሓደ ብሩርን ቀዳማይ ደረጃ እንትትሕዝ፤ ስፔን ብክልተ ሜዳሊያ ወርቂ 2ይ ደረጃ ሒዛ፡፡
ኢትዮጵያ 1 ወርቂ ፣ 1 ብሩርን 2 ነሓስን ብሓፈሻ ብኣርባዕተ ሜዳሊያታት ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እቲ ሻምፒዮና ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ዝሳተፉሎም ውድድራት ኣይካየዱን።
ፅባሕ ንጉሆ ኣብ ዝካየድ መፃረዪ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮን 5 ሺሕ ሜትሮን ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ምሸት ኣብ ዝግበር 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮን ኢትዮጵያ ክትሳተፍ ኢያ፡፡
ክሳብ ሕዙ ኣብ ዝተገበሩ ውድድራት 18 ሃገራት ሜዳሊያ እንትረኽባ÷ 7 ሃገራት ድማ ሜዳሊያ ወርቂ ከመዝግባ ምኽኣለን ካብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com