ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ኣምሪሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 21 ክሳብ 23 መጋቢት 2025 ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ናንጂንግ ኣምሪሑ።
እቲ ጉጅለ 12 ኣትሌታት፣ ክልተ ኣሰልጠንቲ፣ ሓደ መራሒ ጉጅለ፣ ሓደ መራሒ ጉጅለ ቴክኒክ፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምናን ሓደ ፊዝዮቴራፒስትን ዘካተተ ኢዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህንን ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ፌዴሬሽንን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ነቲ ጉጅለ ከምዘፋነዉዎ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።