Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሸውዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ነጥቢ 3ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ካብ ዳያስፖራ ተላኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ኣብ ሸውዓተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ብሕጋዊ መገዲ ከምዝለኣኸ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ በጀት ዓመት 4 ቢሊየን ዶላር ካብ ሬሚታንስ ንምእካብ ከምዘተሃቀነ እውን ኣመልኪቱ።

ብዝተትሓሓዘ ዜና ኣብ ሸውዓ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 4 ሺሕን 83 ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ባንኪታት 4 ሚሊየን 953 ሺሕን 333 ዶላር ተቐማጢ ንኅገብሩ ተሓሲቡ 4 ሺሕን 7 ዳያስፖራታት ልዕሊ 3 ሚሊየን ዶላር ተቐማጢ ምግባሮም ገሊፁ።

ዳያስፖራ ብኣማራፂ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ ገንዘብ መርበብ ሓበሬታ ”ኣይዞኺ ኢትዮጵያ”ን ኣብ ውሽጢ ሃገራት ብዝርከቡ ሚሲዮናት ኣቢሉ ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ንዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታትን መሊስካ ህንፀትን ዝውዕል ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ብገንዘብን ብዓይነትን ሓገዝ ምግባሩ እቲ ኤጀንሲ ኣገንዚቡ።

ኣብ ሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ኣብ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ንምውፋር 895 ዳያስፖራታት ድሌት ከምዘርአዩ እውን ተሓቢሩ።

ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ፥ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ንዕቤትን ልምዓትን ኢትዮጵያ እናበርከቱዎ ዝርከቡ ኣስተዋፅኦ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.