Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሸበል በረንታ መርዓት ክተምፅእ እናተጓዓዘት ዝነበረት መኪና ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ሸበል በረንታ መርዓት ክተምፅእ እናተጓዓዘት ዝነበረት መኪና ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሰለስተ ሰባት ከምዝሓለፈ ድሕንነት ትራፊክ መገዲ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ሓካፊ እቲ ድሕንነት ትራፊክ መገዲ ኮማንደር ዮሃንስ በላይ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ልዕሊ ዓቐን ሰባት ብምስፋራን ብዘይግቡእ ኣብ ኮርቶ መጋላ እንተይተረፈ ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ንምዝላል ብዝገበሩዎ ፈተነ ኢዩ፡፡

ትማሊ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 10 መመላለሲት ህዝቢ ተሸከርካሪት ኣብ ቀበሌ ሞዠንን ከባቢኡን ምስበፅሐት ንድሕሪት ተንሸራቲታ ሓጋዚ ሹፌር ሓዊሱ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.