Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሶማሊያ ድሕሪ ኣትሚስ ዝህሉ ምውፋር ሓይሊ ብጥንቃቐ ክውገን ኣለዎ – ኣምበሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ድሕሪ ኣትሚስ ዝህሉ ምውፋር ሓይሊ ብጥንቃቐ ክውገን ከምዝግበኦ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምበሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣተሓሳሲቦም።

ኣምባሳደር ታዬ ምስ ዴንማርክ መዘነኦም ላርስ ሎክ ራስምሰንን ምስ ከተባበሩት ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዓረብ ኤሚሬታት ሼህ ሻክቡት ናህያን ኣአል ናህያንን ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ዴንማርክ ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ብምዃን ብምምራፃ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምውጋእ ዘለዋ ቆራፅነትን ዝጠመተ ገለፃ እውን ገይሮምሎም።

ኣምባሳደር ታዬ ብተመሳሳሊ ምስ ዴንማርክ መዘነኦም ላርስ ሎክ ራስምሰንን ምስ ከተባበሩት ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዓረብ ኤሚሬታት ሼህ ሻክቡት ናህያን ኣአል ናህያንን ኣብ ክልተኣዊን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ሶማሊያ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ሃገራት እቲ ዞባ ዋጋ ዝኸፈላሉን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ልዑል ወፃኢ ዘውፀአሉን ድሕንነት ሶማሊያ ክቕፅል ምግባር ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር÷ “ኣብ ሶማሊያ ድሕሪ ኣትሚስ ዝህሉ ምውፋር ሓይሊ ብጥንቃቐ ክውገን ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.