Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሶማሊያ ከጋጥም ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ቅልውላው መንግስቲ ፌዴራል ዝወስዶ ሓላፍነት ኢዩ – ጁባላንድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ከጋጥም ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ቅልውላው መንግስቲ ፌዴራል ሓላፍነት ከምዝወስድ መንግስቲ ግዝኣት ጁባላንድ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ጁባላንድ ኣብ ሶማሊያ ቅልውላው ንምፍጣር መንግስቲ ፌዴራል እታ ሃገር ዘይተገበአ ምንቅስቓስ እናገበረ ምዃኑ ብምግላፅ መግለፂ ኣውፂኡ።
ኣብ መግለፂኡ ድማ ህዝቢ ሶማሊያን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን መንግስቲ ፌዴራል እታ ሃገር ቅልውላው ንምፍጣር እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።
እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ንምእታው ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቲ ፌዴራል ሶማሊያ ኢድ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.