ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘለዉ 70 ሺሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን ክጅመር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ 70 ሺሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክጅመር ኢዩ ኢለን።
ኣምባሳደር ብርቱካን ነዚ ዝበላ ንሰን ዝመርሕኡ ብሄራዊ ኮሚቴ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ዜጋታት ንምምላስ ኣብ ዝተሰናደአ ትልሚ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኢዩ።
እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ብሄራዊ ኮሚቴ ዝተሓቖፋ ትካላት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ኣብ ዝገብርዎ ምውዳድ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።
ነዚ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብዝተማልአ ኩነታት ብህፁፅ ምዝዛም ከምዝግባእ ተዛሪበን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።