Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስርዓት ወፃኢ ንግዲ ብዘሎ ክፍተት ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ከምዝወፅኡ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስርዓት ወፃኢ ንግዲ ብዘሎ ክፍተት ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ከምዝወፅኡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ሃገራዊ መድረኽ ምውዳድ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ መድረኩ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ “ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር እናወፅኡ ምሩፃት ሃፍቲታትና የስእኑና ኣለዉ” ኢሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ተተሓሒዞም ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ለውጢታት የሃልዉ እምበር ሕዚ እውን ስራሕቲ የድልዩ ኢሎም።

ብምዃኑ እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዘለትሉ ኩነታት ሃገራዊ ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምንቕቓሕ ኢንቨስትመንት ምብርትታዕን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ምዕጋትን ከምዘድሊ ብምሕባር፥ ነዚ ድማ ክልላት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሃገራዊ መድረኽ ምውዳድ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ኣብ 2003 ዓ.ም ብዝተወደበ መልክዑ ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጉባኤ ስርዓት ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምቅልጣፍ ብዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምኡ እውን ስራሕቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ኮንትሮባንድ ኣብ ምግምጋም ትኹረት ክግበር ኢዩ።

ብታሪኩ ለገሰን ሃይማኖት ወንድራድን

#Ethiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.