Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስርዓት መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ ልዕሊ 22 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ተሓቚፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስርዓት መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ ልዕሊ 22 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝተሓቖፉ ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ስርዓት መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ፥ ኣብ ከተማን ገፀርን ስሩዕ ዘይኮነ ዓውዲ ቑጠባ ተዋፊሮም ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ዝገብር ስርዓት ኢዩ።

መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ ኣብ 2003 ዓ.ም ኣብ 13 ወረዳታት ንፈተነ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ካብቲ ፈተነ ብዝተረኸበ ልምዲ ድማ ካብ 2006 ዓ.ም ጀሚሩ ንኽስፋሕፋሕ ተገይሩ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሚዛን ኪሮስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ 2011 ዓ.ም ምንቅስቓስ መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ ኣብ ሓሙሽተ ክልላትን ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ኣብ ዝርከባ 657 ወረዳታት ተጀሚሩ 509 ወረዳታት ቅድመ ምድላወን ብምዝዛም ንኣባላተን ግልጋሎት ሕክምና ምሃብ ከምዝጀመራ ገሊፆም።

ኣብተን ወረዳታት ዝርከቡ ናብ 22 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝፅግዑ ዜጋታት በቲ ስርዓት መድሕን ጥዕና ከምዝተሓቖፉ እውን ኣብሆም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝተሓቖፉ ትሑት ኣታዊ ዘለዎመምን ዓመታዊ ወፃኢ መድሕን ጥዕነኦም ክሽፍኑ ዘይኽእሉ ልዕሊ 5 ሚሊየን ዜጋታት ወፃኢኦም ብመንግስቲ ክሽፈሎም ከምዝተገበረ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

መረሃ ግብሪ ምዝገባን ሕድሳትን ኣባልነት መድሕን ጥዕና ማሕበረሰብ ዓመተ 2012 ዓ.ም ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ እናተሳለጠ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.