ኣብ ስልሒት ምክፍፋል ድጎማ በጀት ፌዴራል ዝተገበረ መፅናዕቲ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ ድጎማ በጀት ዝከፋፈለሉ ኣሰራርሓ ስርዓት ኣድሂቡ ልዝብ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስልሒት ምክፍፋል ድጎማ በጀት ፌዴራል ዝተገበረ መፅናዕቲ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ ድጎማ በጀት ዝከፋፈለሉ ኣሰራርሓ ስርዓት ኣድሂቡ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተውሃቦ ሕገ-መንግስታዊ ልኡኽቶ ብብቕዓት ንምውፃእ፥ ኣብ መፅናዕቲ ዝርከብ ሪፎርም እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ዘተኮረ እታወት ናይ ምእካብ መድረኽ ኢዩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ዝርከብ።
ሃገራዊ ሓድነትን ዘላቒ ሰላምን ምህናፅ፣ ውፅኢታዊ ፊሽካል ስግግርን ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ልዕልነት ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግስታዊነት ምርግጋፅን ንቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተውሃቡ ሓላፍነታትን ተግባራትን ኢዮም ተባሂሉ።
ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣደም ፋራሕ፥ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝተጀመረ ትካላዊ ሪፎርም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመጣጠነ ዕቤት ንምምዝጋብን ሕብረብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻር ስለዝሕግዝ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ልምዲን ፍልጠትን ዘለዎም ሰብ ሞያታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን መፅናዕቲ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።
እቶም ኣፈ ጉባኤ ፊስካል ስግግርን ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን፣ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ማዕረ ናይ ምልማዕ ዕድል ብምርግጋፅ ሃገራዊ ሓድነት ንምህናፅ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘሎ ስልሒት መከፋፈሊ ድጎማ ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ኣብ ቀፃሊ ስልሒት ከም እታወት ምጥቃም፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምታት ፌዴራል ፍትሓዊ ምግባር ክትትል ስርዓትን ሜላታት መፈፀሚን ምድላው፣ እቲ ስልሒት ድጎማ ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝተመጣጠነ ዕቤትን ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ኣብ ምርግጋፅ ዘለዎ ግደ ዝግምግም መመሓየሺ ስርዓት ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ሓለፍቲ ቢሮ ክልላትን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፌዴራልን እናተሳተፉ ይርከቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!