Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ፀገም ከየጋጥሞም ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ሱዳን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ፀገም ከየጋጥሞም ብመራሕቲ እታ ሃገር ትኹረት ዝተውሃቦ ስለዝኾነ፤ ተሓባቢሩን ተዛቲዩን ፀገማት ንምፍታሕ ድሉው ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ሱዳን ገሊፁ።

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ ምስ ሚነሲትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣናን ሃሚድ ሞሃመድ ኦማርን ምስ ሓለፍቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝርከባ ትካላትን ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣብ ሱዳን ዝነብር ዝኾነ ይኁን ናይ ወፃ ዜጋ ሕጋዊ ኮይኑ ክነብር ትፅቢት ዝግበረሉ ይኹን አምበር÷ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መብዛሕተኦም ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ፣ ንመንበሪን ፍቓድ ስራሕን ከምኡ እውን ንመውፅኢ ቪዛ ዝሕት ክፍሊት ንምፍፃም ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ሰነድ መጓዓዓዚ ዘይሓዙ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ሱዳን ነዞም ወገናት ብፍሉይ ኩነታት ንኸተኣናግድ፣ ፓፖርት ክሳብ ዘውፅኡን መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዝሕዙን ንኅዕገስን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ፍሊት መውፅኢ ቪዛ ንኸልዕለሎምን ሓቲቶም።

ሌተናል ጄኔራል ኣናን ሃሚድ ሞሃመድ ኦማር ብግደኦም÷ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡሉ ኩነታት ከምዝርድኡን ብዝቀረበ ሕቶ መሰረት ብምግባር ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሮም ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ፀገም ከየጋጥሞም ብመራሕቲ እታ ሃገር ትኹረት ዝተውሃቦ ስለዝኾነ÷ ተሓባቢሩን ተዛቲዩን ፀገማት ንምፍታሕ ድሉው ከምዝኾነ ምርግጋፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.