Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ብምኽንያት ዘጋጠመ እዋናዊ ፀገም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ናይ ምግባር ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ቀጠና ኲናት ንምውፃእ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ግብረ-ሓይሊ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝስርሑ ጉዳያት ዘትዩ፡፡

ኣካቢት እቲ ግብረ- ሓይሊ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ÷ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ፀገም ስዒቡ ልዕሊ 33 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ከባቢ ዶብ ድማ ኣድላዪ ግልጋሎት ክወሃቦም ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ሱዳን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ እቲ ግብረ-ሓይሊ ቅድመ ምድላው ከምዝዛመ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.