Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ስራሕቲ ኣርኪዮሎጂ ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ስራሕቲ ኣርኪዮሎጂ ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ።

ኣብዚ ወርሒ ብዝወቕዕ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ፈለግ ኒል (ናይል) ልዕሊ ዓቕን ስለዝመለአ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ኣገዳሲ ጥንታዊ ቦታታት በቲ ዕልቕልቕ ብኸቢድ ከይህሰ ስግኣት ኣንፀላልዩ ኣሎ ተባሂሉ።

እዚ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝኣተወ ኣል ባጅራውያ ዝተብሃለ ኣብ ዘበነ ማሮእ ዝተሰርሐ ጥንታዊ ስፍራ በዚ ዕልቕልቕ ከይድበ ስክፍታ ተፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ጥንታዊ ቦታ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዕልቕልቕ ኣጋጢምዎ ከምዘይፈልጥ ኣብ ሱዳን ዝመደበሮም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይገልፁ።

ሰብመዚ ሱዳን ነዚ ጥንታዊ ቦታ ንምክልኻል ኣብ ውሽጡ ዝኣተወ ማይ ብሓገዝ ሞተራት ብምጭንጓዕን ተወሳኺ ማይ ከይኣትዎ ሓመድ ብዝመልአ ክሻታትን ይከላኸሉ ከምዘለዉ’ውን ተሓቢሩ።

ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ዕልቕላቓት ከጋጥማ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕልቕልቕ ኣማኢት ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ሱዳን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእዋጁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.