Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ከባቢ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ተሸጋጊሩ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ሰሜን ከባቢ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ተሸጋጊሩ ኢሎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ፥ ናይ ጠንካራ ዲፕሎማሲ ስራሕ መሰረቱ ጠንካራ ውሽጣዊ ኩነታት ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ይካየድ ዘሎ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓን ናይ ሚሽን መራሕቲን ምይይጥ እቲ ጉዳይ ብኣፅንኦት ከምዝተገለፀ ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ከባቢ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ምሽግጋሩ ሓቢሮም፥ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ንምምሕያሽን ናይ ዜጋታት ሰላምን ድሕንነትን ከምኡውን ተጠያቕነት ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ዲፕሎማታት ኣብ ወፃኢ ዝተጀመረ ፅቡቕ ርክብ ብዝበለፀ ብምፅናዕ ብሄራዊ ጥቕምና ናይ ምሕላውን ተደማፅነትና ናይ ምዕባይን ተልእኾ ተጠናኺሩ ምቕፃል ኣለዎ ኢዮም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.