Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግልፂ፣ ዝተወሰነን ክብፃሕ ዝኽእል ዕላማ ዝተሓንገጠን ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ግልፂ፣ ዝተወሰነን ክብፃሕ ዝኽእል ዕላማ ዝተሓንገጠን ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍናዉ ስዒቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ድማ ኣብዛ ሃገር ሕጊን ስርዓትን ንምዕሳልን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምሕላውን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ኢትዮጵያ ተንቀሳሶም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ድሕንነቶም ንምሕላው ከምዝኾነ ገሊፆም።

መንግስቲ ምስ ህወሓት ዘለዎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ንኣዋርሕ ተዓጊሱ ድርድርን ሽምግልናን እናገበረ ምፅንሑ እውን ኣገንዚቦም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ዝገበሮ ፃዕሪ ኩሉ ብህወሓት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.