Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜንን ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያን ፀሓያማን ንፋሳማን ኩነታት ኣየር ንዝቕፅሉ 10 መዓልታት ክፀንሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜንን ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያን ፀሓያማን ንፋሳማን ኩነታት ኣየር ንዝቕፅሉ 10 መዓልታት ከምዝፀንሕ ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልትታት ዝህሉ ኩነታት ኣየር ብዝምልከት ሓበሬታታት ትንበያ ዕላዊ ገይሩ።

በዚ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልታተ ኣብ መብዛሕቲኦም ክፋላት ሰሜንን ሰሜን ምብራቕን ኢትዮጵያ ኩነታት ኣየር ሓጋይ ደረቕ፣ ፀሓያማን ንፋሳማን ኮይኑ ክፀንሕ ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበር።

ሓሓሊፉ ብምኽንያት ዝጠናኸሩ ገፅታታት ሜቲዎሮሎጂ ኣብ ገለ ክፋላት ምዕራብ ካብ ውሑድ ክሳብ ማእኸላዋይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽባ እቲ ኢንስቲትዩቱ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ክፋል እዛ ሃገር ካብ መዓለቲ ናብ መዓልቲ ምስ ዝመሓየሽ ርሑስ ኩነታት ኣየር ተተሓሒዙ ውሑድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ሓበሬታ እቲ ትምበያ የመላኽት።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክፋላት ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣብ ከባብታት  ደቡብ ምዕራብን መብዛሕትኡ ምስ ስሩዕ ዝተቐራረበ ዝናብ ከምዝረኽባ ትፅቢት ይግበር። ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሑዳት ቦታታት ውሑድ ዝናብ ዝህሉ እንትኸውን፤ እተን ዝተረፋ ከባብታት ድማ ደረቕ ኮይነን ከምዝቕፅላ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.