Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሩሲያ ሃፍቲታት ኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ፎረም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሩሲያ ክልል ቱሜን ንዝተውፃእፅኡ ሰብ ሃፍቲ፣ ነጋዶን ንሓለፍቲ ኤጀንሲ ኢንቨስትመንት መንግስቲ እቲ ክልልን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉዋ ሃፍቲታት ኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ፎረም ብመርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ኣብቲ ፎረም ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ ኣብ ዓቕ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

ብተወሳኺ ድማ ካብ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን፣ ሚነስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ከምኡ እውን ቤት ዕዮታት ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ዝተወከሉ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ዓቕሚታትን ሃፍቲታትን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ገለፃ ገይሮም።

ብወገን ሩሲያ ካብ ሞንጎ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ዳይሬክተር ጀነራል ሓጋዚ ፖሊስን ኢንቨስትመንትን ክልል ቱሜን ዝኾኑ ማሹኮቭ ኣንቶን ኣድንሬቪች፣ ኣካላት ንግዲን ኢንቨስትንትን እቲ ክልል ከምኡ እውን ዲፕሎማሰኛታት ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ፤ ኣብቲ ፎረም ዕድመ ዝተገበረሎም ገለፃ ግንዛበ ከምዝረኸቡሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ምስ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ርክብ ንምምስራት ድሌት ከምዘለዎም ምዝራቦም ኣብ ሞስኮ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.