Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ናይ ምሕጋዝ ገበን ዝጠመተ መድረኽ ምትእኽኻብ እታወት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ናይ ምሕጋዝ ገበንን ዝጠመተ መድረኽ ምትእኽኻብ እታወት ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጤሞቲዎስ ሓዊሱ መዳርግቲ ትካላት መንግስቲ፣ ዳያኑ ኣቢያተ ፍርዲ ፌደራል፣ ትካላት ፋይናንስ፣ ትካላት ማሕበረሰብ ሲቪል፣ ሙሁራንን ሰብ ሞያን ሕጊን ተሳቲፎም።

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣይተ ሙሉቀን ኣማረ ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ፋይናንስ ድሕንቱ ዝተሓለወ ኮይኑ ንኽምራሕ ምምሕያሽ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምምሕያሽ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ለኻ ግቡኣት ብዘማልእ መልክዑ ዝብዝተሓንፀፀ ስርዓት ንምምራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ናይ ምሕጋዝ ገበንን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፅአ ኣዋጅ ንምምሕያሽ ዓለም ለኸ መለክዒታትን ግቡኣትን ምምላእ ዝግባእ ብምዃኑ÷  እቲ ኣዋጅ ንምምሕያሽ ምኽንያታት ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ንብረት ምምላስን ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ንብረት ሒዝካ ምርካብ ንምቁፅፃ ዘጀኽእሉ ረቀቕቲ ሕጊታት ቀሪቦም ዘተ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ካብ ኣገልግሎት ድሕንነት ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.