Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ጦር ሱዳንን ፍሉይ ሓይሊታትን ዝተፈጠረ ጎንፂ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ መዓልቱ ዘቑፀረ ኣብ ሞንጎ ጦር ሱዳንን ፍሉይ ሓይሊ ሱዳንን ዝተፈጠረ ጎንፂ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ።

እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ወታደራዊ መራሒ ጦር ሱዳን ጄኔራል ኣብዱል ፈታህ ኣልቡርሃን ዝመርሑዎ ጦርን ምክትሎም ዝነበሩ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን መሓመድ ሃምዳን ደጋሎን ዝግበር ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይሊታት ወሰንቲ ቦታታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም ንምቁፅፃር ጥንኩር ውግእ እናካየዱ ከምዝኾኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

በቲ ጎንፂ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 100 ዜጋታት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥

ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ዜጋታት ድማ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ማሕበር ሓኻይም ሱዳን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ ካርቱም ዝርከባ ሆስፒታላት ዘለፐ ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ እታወታት ሕክምና ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.