Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ክልላት ፍትሓዊ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ክህሉ ንምግባር ንዘላቒ ሰላም መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ክልላት ፍትሓዊ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ክህሉ ንምግባር ንዘላቒ ሰላም መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ንኩሎም ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒስትራትን ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ፍትሓዊ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ፌዴራል ስርዓት ንምጥንካርን ውፅኢታውነን ከምኡ እውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ኢዩ፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ፍትሓዊ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ግልፂ ብዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓን ኣሳታፊነትን ምምርሑ ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝተመጣጠነ ምዕባለ ዘረጋግፅ፣ ፍትሓዊ ተረባሕነት ህዝቢታት ጋህዲ ንምግባር በሪ ዝኸፍትን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእምማን ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ሞንጎ ክልላት ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ብዘይምንባሩ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዝተፈጠረ ዘይምትእምማን መበገሲ ጎንፂ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኣዘኻሮም፡፡

ኣይተ ኣገኘሁ እቲ ለውጢ ስዒቡ ግልፂ ስርዓት ኣሰራርሓ ተግባራዊ ብምዃኑን ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝነበረ ቅርታን ዘይምትእምማንን ምውጋድ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ክልላት ፍልፍል ኣታዊአን ፀንቂቐን ብምጥቃምን ስርዓት ቅነሳ ወፃኢን ብዝምልከት ውፅኢታዊ ክፍፍል ሃፍቲ ብፅሒቶም ክዋፅኣ ከምዝግባእ ፀሪሖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.