Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ዝተገበረ ኣወጅ ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ዝተገበረ ኣወጅ ስምምዕነት ልቓሕ ብምምርማር ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼባኡ ዘካየደ እንትኸውን÷ ኣቲ ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት እውን ዘቲዩ፡፡

ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ብልቓሕ ዝተረኸበ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ስራሕቲ ሪፎርም ንምድጋፍ ዘኽል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

በዚ ድማ ካብቲ ባይቶ ብዛዕባ እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ኣመልኪቶም ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ተዋሂቡ÷ ዝቐረበ ኣዋጅ 1345/2016 ኮይኑ ብሓደ ተቓውሞ፣ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.