ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና – ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼይ ሃይን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፤ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብኩነታት ናብ ዘይልወጥ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።
እዚ ጥንኩር ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ከምዝስራሕ ብምግላፅ፤ ርክ ኢትዮ-ቻይና ብዝበለፀ ንምጥኝኻር ኣብ ማዕቐፍ መድረኽ ምትሕብባር ኣፍሪካ ቻይና (ፎካክ) ዝተቐመጡ ኣንፈታት ንምትግባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣድሂቦም ገለፃ ዝገበሩ እቶም ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ኣብ ክልተኣዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ እውን ብፍላይ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓባር ከምዝትሰርሕ ኣረጋጊፆም።