Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንድ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና – ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንድ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሼሪ ሮበርት ሸክቲንተን ገሊፆም።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሼሪ ሮበርት ሸክቲንግተን ተዛቲየን፡፡

ዶክተር ፍፁም ኣንቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፀኦ÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ትምህርቲን ምርምርን፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ርክብ ሕዝቢ ምስ ሕዝቢን ባህሊን ምጥንኻር ይግባእ፡፡

ብፍላይ ህንዲ ኣብ ዘፈራት ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ምስጋና ምቕራበን ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ሼሪ ሮበርት ሸክቲንግተን ብግደአን÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመሩ ርክባት ኢንቨስትመንትን ኩለመዳይ ርክባትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.