Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ጥንኩር ማዕቐፍ ምትሕብባር ምፍጣር የድሊ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ጥንኩር ማዕቐፍ ምትሕብባር ምፍጣር ከምዘድሊ ምክትር ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ትኹረቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝገበረ መበል 58 ጉባኤ ፀፅታ ሙኒክ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ከባቢ ቀይሕ ባሕቲን ቀርኒ ኣፍሪካን ንዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደትን ሰላማዊ ልምዓትን ዝበለፀ ሓገዝን ምትሕብባርን ከምዘድሊ ኣብቲ ጉባኤ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን፥ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ፅንፈኛታት ንምውጋድ ጥንኩር ሓገዝ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምዘድሊ ሓቲቶም፡፡

ኣብ ሞንጎ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ናይ መብዛሕተኦም መዳርግቲ ኣካላት ረብሓ ዘተኣናግድ ጥንኩር ማዕቐፍ ምትሕብባር ምፍጣር ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2019 ዝተጣየሸ ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዘግለለ ስለዝኾነ፥ “ዝተሰሓሓተ ኣካይዳ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበር ዘይሕጋዊ ዝውውር ስደተኛታት፣ መድሓኒትን ኣፅዋርን ንምግታእ ዝተጀመሩ ሓበራዊ ፃዕሪታት ክበረታትዑን ክጠናኸሩን ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም፡፡

እ ጉባኤ ንሰለስተ መዓልቲ ከምዝቕፅል ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.