ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ዝተፈረመ ስምምዕነት ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ኢዩ – ሚኒስቴር ሰላም
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ዝተፈረመ ስምምዕነት ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሚኒስቴሩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ “መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊትን ስምምዕነት ሰላም ምፍርራሞም ንዘላቒ ሰላም ሃገርና ልዑል ግደ ዝፃወት ኢዩ” ኢሉ።
ኣብ ሞንጎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክንፊ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ጃል ሰኚ ነጋሳን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣዚዩ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
እቲ ከይዲ መገዲ ሰላም ንምኽፋት ካሊእ ኣማራፂ ዘይብሉ ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር መገዲ ከምዝኾነ ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።