ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ዝተፈረመ ስምምዕነት ክበረታታዕ ዝግበኦ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ዝተፈረመ ስምምዕነት ክበረታታዕ ዝግበኦ ከምዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክንፊ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ጃል ሰኚ ነጋሳን ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ ኢዩ።
ምፍራን እቲ ስምምነት ብዝምልከት ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ሚያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ስምምዕነት ኣዚዩ ክበረታታዕ ዝግበኦን ከም ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክትን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ከም ፓርቲ ብልፅግና ሰላም ኩለመዳይ ብልፅግና ንምርግጋፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ተገንዚብና ንባዕልና ንዝርርብ፣ ንድርድርን ምትሕብባርን ክፍቲ ገይርና ኢና” ክብሉ እውን ገሊፆም።