Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ውዳበ ዓወት ቀረባ ክገብሮ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተገበሩ ኣብ ዝርከቡ  ምድላዋትን ኣብ ሞንጎ ሓይሊታት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ውዳበን ዓወትና ቀረባ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ ተዛሪቦም።

ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረባቦ ቢሲቲማ ብምርካብ ወራሪ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምውጋድ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ዝምልከት ዑደት ገይሮም፡፡

ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ ምስ ኣተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት ቐጠና ኣጣየ ሌተናል ጄነራል ደስታ ኣብቼ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሳንዶካን ደበበ፣ ምክትል ቢሮ ሓላፊ እቶት ክልል ኣምሓራ ፍቅረማርያም ደጀኔን ዋና ኣመሓዳሪ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣሕመድ ሓሰንን ብምዃን ኣብቲ ከባቢ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ ግምባር ናብ ወፍሪ ምስ ዝኣተዉ ኣመራርሓታትን ሚሊሻታት ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ተራኺቦም ልዝብ ብምግባር ምብርትተዖም ዶክተር ኣህመዲን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.