Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ህዝቢን መንግስቲን ምጥርጣር ብምፍጣር ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓታት ዞባ ወላይታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ወላይታ ሕቶ ህዝቢ ብሰላማዊ መገዲ ከይፍታሕ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢን መንግስቲን ምጥርጣር ንኽፍጠርን ለውጡ ምስዘይቕበሉ ኣካላት ብሓባር ይሰርሑ ነይሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልል ደቡብ ኣይተ ኣለማየሁ ባውዲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ዝርከቡ ኣካላት ይለዓል ንዘሎ ክልል ንኹን ሕቶ መንግስቲ ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ከይፍታሕ ንምግባር ይሰርሑ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ዞባ ኢዮም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ኩነታት 10 ውለቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝዓሉን ምፅራይ እናተገበረ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ መንገዲ ምዕፃውን ዕግርግር ምፍጣርን ከምዝተርኣየ እውን ኣብሪሆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ሓደ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈን ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ምንቅስቓሱ ንምምላስ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ኣገንዚቦም።

ኣብ ክልል ደቡብ ዝተልዓሉ ናይ ክልል ንኹን ሕቶታት መንግስቲ ብዘቐመጦ ሕጋዊ መገዲ እናተመለሱ ከምዝኸዱ ዝገለፁ ኣይተ ኣለማየሁ፥ ህዝቢ ብትዕግስቲ ንኽፅበን ዘይሕጋዊ ካብ ዝኾኑ ኣካይዳታት ንኽቑጠብን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.