Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ባህሊ ምክብባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ግደ ትካላት እምነት ዕዙዝ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምተ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሰላም ምስ ኣባላት ቦርድ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ኣሳሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ባህሊ ምክብባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ግደ ትካላት እምነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፁ።

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዳይሬክተር ጀነራል ህንፀት ሰላም ጄኔራል ወይዘሮ ኣስማ ረዲ፥ እቲ ዘተ ምስ ትካላት እምነት ኣብ ዝስርሑ ተግባራት ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀፃሊ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ መላእ ሃገር ምስ ዝርከቡ ትካላት እምነት ንዘካይዶ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝተሰናድአ ሓበራዊ ትልሚ ብዝምልከት ልዝብ ምግባሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኀብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.