Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምድላው ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምድላው ፖሊሲ ስግግር ፍትሒን ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ቀፃሉ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታን ዝጠመተ ዘተ ምክያዱ ሚኒአ,ስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኣይተ በላይሁን ይርጋን ኣብ ቢሮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምክትል ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምብራቕ ኣፍሪካ ቻርለስ ክውሞኢን እቲ ምድላው ፖሊሲን ኣተሓሕዛን ጉዳያት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ፖሊሲስግግር ፍትሒ ዘፈፅሙ ዝተፈላለዩ ትካላት ከምዝጣየሹ ኣይተ በላይሁን ሓቢሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ማዕቐፋት ሕጊ ካብ ምውዳብ ጀሚሩ ሓፈሻዊ ከይዲ ኣብ ምትሕብባር ሚኒስቴር ፍትሒ ምስ መሓዙት ትካላት ብምዃን ምስራሕ ከምዝቕፅል ብምግላፅ፤ ሓገዝ እቲ ቢሮ ሰብኣዊ መሰል ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ቻርለስ ክውሞኢ ብግደኦም÷ ኣብ ምድላው ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ቢሮኦም ሓገዝ እናገበረ ከምዝፀንሐን እቲ ፖሊሲ ንምንዳእ ብዝተጣየሸ ጉጅለ ኣቢሉ ዝተሰርሐ ስራሕን ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብን ንኢዶም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ከይዲ ምድላው እቲ ፖሊሲ ብምሕጋዝ ብሓር ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.