Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምድላው መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ፍሬው ሃይለገብርኤል ኣብ ምድላው መፃረዪ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኣሰናዳእነት ኮስታሪካ ኣብ ዝካየድ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2022 ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጋና መዘነአን ንምፅዋት ኢዮም ን27 ተፃወትቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም ዘለዉ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ክሳብ ሕዚ ዝገበረቶም ኣርባዕተ ናይ በፂሕኻ መልሲ መፃሪ ፀወታታት ብድምር ውፅኢት ተዓዋቲት ብምዃን ኣብ ቀፃሊ ምስጋና ንትገብሮ 5ይን ናይ መወዳእታ መፃረዪ ፀወታን ኢዩ፡፡

ንምድላው እቲ ፀወታ ዝተፀዋዓ ተፃወትቲ ሰኑይ 7 ለካቲት 2014 ዓ.ም ረፋድ ሰዓት ኣርባዕተ ስፖርታዊ ዕጥቀን ብመሓዝ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ተረኺበን ሪፖርት ንኽገብራ ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.