Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ 142 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ 142 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣፍሊጦም።

ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 48 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንትኾኑ፥ ናብ ሕብረተሰብ ድሕሪ ምብትታኖም 64 ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ንኣባላት ኦነግ ሸኔ ደገፍ ዝገብሩ ዝነበሩ 1 ሺሕን 341ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ አወን ተዛሪቦም።

ካብዚኣቶም እቶም 104 ኣባላት ህወሓት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.