ኣብ ምትሕብብር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ህንድዲን ዝጠመተ ልዝብ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንዲን ምትሕብባር ኢኮኖሚ ክልተኣዊ ርክብን ብዝበለፀ ንምጥንኃር ዘኽል ልዝብ ኣብ ህንዲ ኒውደልሂ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበልን ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ህንዲ ኣኑፕሪያ ፓተልን ኢዮም ተዛቲዮም፡፡
ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ህንዲ ኣኑፕሪያ ፓተል ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ምስ ኣይተ መላኩ ኣለበል ዝገበረኦ ዘተ “ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ክልተኣዊ ርክብን ብዝበለፀ ጥንኩርን ዓሚቕን ንምግባር ዘኽእል ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።
ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ መበል 17 ኣኼባ ኤግዚም ባንኪን ምሕዝነት ምዕባለ ኣፍሪካን ንምስታፍ ናብ ኒውደልሂ ምእታዎም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com