Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ምንካዩ ፋኦ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ምንካዩ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያን ኬንያን ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ዝናብ ዘይምሕላዉ እቲ ዕስለ ንኽንኪ ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ትሑት መጠን ዝናብ ምስ ዝግበር ቁፅፅር ተተሓሒዙ እቲ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ከይራባሕ ከምዝገበሮ እውን ኣፍሊጡ፡፡

ዝናብ ዘምፅኡ ኩነታት ምስ ዘይምርኣዮም ተተሓሒዙ ኩነታት በዚ ክቕፅሉ ከምዝኽእሉ እውን ገሊፁ ኣሎ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ግን እቲ ዕስለ ንምቁፅፃር እናተገበረ ዝርከብ ቁፅፅር ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተወሰኑ ከቨባቢታት ኬንያን ከባቢ ዶብ ታንአዛኒያን ጭጫሕ ዕስለ ኣምበጣ ከምዝተረኣዩ ኣብሪሁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.