Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምርመራ ጋዜጠኝነት ኣፍሪካ ዘድሃበ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ምርመራ ጋዜጠኝነት ኣፍሪካ ዘድሃበ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኣፍሪካን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ ኣፍሪካውያን ጋዜጠኛታት ብምርመራ ጋዜጠኝነት ልምዲ ዝለዋወጡሉን ዝስልጥኑሉን ኢዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ፣ ሴኔጋል ዳካር፣ ናይጄሪያ ኣቢጃን ኬንያ ናይሮቢን እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ኮንፈረንስ፥ ካብ መላእ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝርከብ ኮንፈረንስ፥ ኣይ ኤም ኤስ ፎጆ (IMS –FOJO) ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዊውተርስራንድ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ።

መካየዲ ስራሕ ኣይ ኤም ኤስ ፎጆ (IMS –FOJO) ሶፊ ጉልልበርግ፥ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ኣፍሪካ ዓቕሚ ምርመራ ጋዜጠኝነት ብስልጠና ንምድንፋዕ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣልአዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.