ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግህምራ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግህምራ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።
ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዶክተር ስቡህ ገበያው፥ በቢእዋኑ ቁፅሪ ተመዛበልቲ እናወሰኸ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ብምዃኑ ድማ ኣብ ሰለስተ መዕቖቢ ጣቢያታት ልዕሊ 89 ሺሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 16 ተመዛበልቲ ጥራሕ ኣብ መዕቖቢ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡
ቁፅሪ ተመዛበልቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይኹን እምበር ዝግበር ሓገዝ እናነከየ ምምፅኡ እውን ገሊፆም፡፡
ዓለም ለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ነቲ ከባቢ ግቡእ ትኹረት ኣይሃቡን ክብሉ ወቒሶም።
መንግስቲ ይኹን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፣ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኢሉ እውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓገዙ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እቶም ኣመሓዳሪ ፃውዒት ምቕሪቦም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዋግህምራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።