Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት የጨፍጭፉ ነይሮም ዝተብሃሉ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሓብኡሉ መዕረፊ ኣጋይሽ ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት የጨፍጭፉ ነይሮም ዝተብሃሉ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሓብኡሉ መዕረፊ ኣጋይሽ ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ነቶም ተጥርጠርቲ ተቐቢሎም ሓቢኦምዎም ነይሮም ዝተብሃሉ ሰለስተ ውልቀ ሰባት እውን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ተራኢዩ ኢዩ።

ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት ክፍጨፉ ብምግባር ብጎንደር ገይሮም ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ እናሃለዉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ 1ይ ተጠርጣሪ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ብውልቀ ትካል ተዋፊሮም እናሰርሐ ዝነበረ ተስፋየ ከበደ ዝበሃል እንትኸውን፥ 2ይ ተጠርጣሪ ድማ ወይዘሮ ኣባዲት ኣብርሃ ይበሃላ።

ነዞም ተጥርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቢሎም ሓቢኦምዎም ነይሮም ተባሂሎም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ድማ፥ ኪዳነ ገህይወት፣ ሙሉኣለም ዮሃንስን ፍሬሰንበት ለማን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፥ ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ ንተወሳኺ ምርመራ 14 መዓልቲ ሓቲቱ።

1ይ ተጠርጣሪ፤ “ኣነ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ውልቀ ትካለይ ብማኑፋክቸሪንግ ተዋፊረ ኢየ ዝሰርሕ ናብ ጋምቤላ ክኸይድ እንትብል ኢየ ተታሒዘ ምስ 2ይ ተጠርጣሪ እውን ኣይንፋለጥን” ኢሉ።

2ይ ተጠርጣሪ ብግድኡ ካብ ሑመራ ብጎንደር ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ናብ ትግራይ ክኸይድ እንትብል ኢየ ዝተትሓዝኩ ምስ 1ይ ተጠርጣሪ እውን ኣይንፋለጥን ክብሉ ብዋሕስ ንኽልቀቑ ሓቲቶም።

3ይ ተጠርጣሪ ድማ ምስ 1ይ ተጠርጣሪ ንፋለጥ ኢና ናይ ዓራት ከፊለሉ ኢየ እምበር ዘጥፋእኹዎ ነገር የለን ዝበሉ እንትኾኑ፥ 4ይ ተጠርጣሪ እውን ምስ 1ይ ተጥርጣሪ ከምዝፋለጡን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኡ እንትሰምዑ ምሳሕ ንምግባዝ ሓቢሮም ስለዝኸዱ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

5ይ ተጠርጣሪ ብግደኦም፥ ኣነ መካረዪ መዕረፊ ኣጋይሽ(ገስት ሃውስ) ኢየ ተምሃራይ ኢየ 1ይን 2ይን ተጠርጠርቲ መዕረፊ ንደሊ ኢና እንትብሉኒ ኣእትየ ኣሪአዮም ካሊእ ገበን የብለይን ክብል ተኻቲዑ።

መርማሪ ፖሊስ ድማ 1ይን 2ይን ተጠርጠርቲ ንፁሃን ክጭፍጨፉ ገይሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምህዳም ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ብምሕባእ፤ ካብ 3ይ ክሳብ 5ይ ዘለዉ ተጠርጠርቲ እውን ነቶም ተጠርጠርቲ ክሕብኡ ብምግባር ስለዝተሓባበሩ ገበን ኢዮም ተጠርጢሮም ክብል ንመጋባእያ ኣብሪሁ።

ክትዕ ክልቲኦም ዘድመፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል 1ይ እዋን ቆፀሮ ድማ ንመርማሪ ፖሊስ 14 ተወሳኺ መዓልቲ ምርመራ ፈቒዱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.