Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማይናማር ዝተዓገቱ 246 ዜጋታት ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማይናማር ተዓጊቶም ዝነበሩ 246 ዜጋታት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ሃገሮም ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃቡዎ ሳምንታዊ መግለፂ ብዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተንገላትዑ ዝርከቡ ዜጋታት ንምምላስ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣብ ማይናማር ኣብ ልዑል ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ንምውፃእ ኣብ ቶኪዮን ኒውዴሊን ብዝርከቡ ኢምባሲታት ኣቢሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 246 ኢትዮጵያዊያን ካብ ማይናማር ብምውፃእ ናብ ታይላንድ ከምዝበፅሑ ብምሕባር፤ ነዓዓቶም ንምሕጋዝን ስራሕቲ ምፅራይን ንምስራሕ ፅባሕ ሓደ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከምዘምርሕ ኣመልኪቶም።

13ን 14 ለካቲት፤ 310 ዜጋታት ካብ ሊባኖስ ምምላስ ከምዝተኽኣለ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣቐባሊ ቃል፤ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ ቀፃልነት ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ፖለቲካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሶማሊያ ዝገበሩዎ ዑደት ስራሕ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም።

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.