Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 53 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ጠመተ ሂቡ ብምንቅስቓስ ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 53 ኢትዮጵያዊን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምግባሩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡

እቶም ኢትዮጵያዊያን ካብ ማዕገትትቲ ወፀኢኦም ኣብ ወተሃደራዊ ካምፕ ታይላንድ ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

ብመሰረት እዚ፥ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምዝርራብ ትማሊ 23 ዜጋታት ከምኡውን ሎሚ 30 ዜጋታት ብድምሩ ኣብቲ ካምፕ ዝነበሩ 53 ዜጋታት ንክምለሱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ካብ ማይናማር ዕገታ ወፂኦም ኣብ ወታደራዊ ካምፕ ታላንድ ዝነበሩ ብፈላማይን ካልኣይን ዙር ብድምር 130 ዜጋታት ምምላስ ከምዝኸኣለ ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.