Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማይናማር ተዓጊቶም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓበሮ÷ ኣብ ህንዲ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ናብ ታይላንድ ካብ ሞንጎ ዝተሳገሩ 133 ኢትዮጵያዊያን እቶም 32 ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክኢሎም፡፡

43 ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ምሸት ክኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ዘሎ እንትኸውን÷ ኣብ ታይላንድ ኣብ መፅንሒ ቦታ ዝርከቡ 58 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ እቲ ኤምባሲ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.